ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ሕቶ መንበሪ ኣባይቲ ንምምላስ ቆላሕቲ ተዋሂቡ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣብታ ከተማ ዘሎ ሕቶ መንበሪ ኣባይቲ ንምምላስ ቆላሕቲ ተዋሂቡ ይስራሕ ኣሎኹ ኢሉ።

እቲ ምምሕዳር ብምትሕብባር መንግስቲ፣ ወለንታዊያንን ውልቀ ሃነፅቲን ብዙሓት ኣባይቲ ብምህናፅ ንዜጋታት ብፍትሓዊነት ተረባሕቲ ከምዝገበረ ኣብሪሁ።

ብመሰረት እዚ ብዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ኣባይቲ ብምህናፅ፣ ቀረብ መንበሪ ኣባይቲ ብምምሕያሽ ዝነኣድ ውፅኢት ምርካቦም ሓቢሩ።

እቲ ምምሕዳር ምስ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ ብምውዳድ ብምስራሕ ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ዝመፅአ ባህጊ ኣባይቲ ንምምላእን ተበፃሒ ንምግባርን ኩለ መዳይ ስራሕቲ ይስራሕ ኣሎ ኢሉ።

ክሳብ ሐዚ ብመርሃ ግብሪ ኮንደሚኒየም 139 ሺሕን 8 ኣባይቲ፣ ንዓቕሚ ዘይብሎምን ሰብ ውዕለታ ሃገርን 40 ሺሕን 576 ኣባይቲ፣ ብምምሕዳር እታ ከተማ ዝተሃነፁ ናይ ክራይ ኣባይቲ 24 ሺሕን 819 ከምኡ ‘ውን ብሪል ስቴት፣ ማሕበርን ውልቀ ሃነፅቲን 175 ሺሕን 605 ኣባይቲ ምህናፆም ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ 380 ሺሕ ኣባይቲ ንተረባሕቲ ከምዝተውሃቡ ዝገለፀ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ፥ ኣብ ቀፃሊ እውን ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ብምጥቃም ሕቶ መንበሪ ኣባይቲ ዜጋታት ንምምላስ ጠመተ ተገይሩ ከምዝስራሕ ኣረጋጊፁ።

Comments (0)
Add Comment