ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሃነፁ 107 ህዝባዊ ፅርየት መሐለዊ ገዛታት ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮሪደር ልምዓት ስዒቡ ዝተሃነፁ 107 ህዝባዊ ፅርየት መሐለዊ ገዛታት ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሮም፡፡

መራሒት ጉጅለ ቢሮ ፅባቐን ሓምለዋይ ልምዓትን ፅርየት መሐለዊ ገዛታት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፀዳሉ መሰለው ከምዝበልኦ፤ ምንቅስቓሳት ልምዓት ኮሪደር ኢትዮጵያ ልዑል ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።

ኮሪደር ልምዓት ስዒቡ ዝተሃነፁ 107 ህዝባዊ ፅርየት መሐለዊ ገዛታት ግልጋሎት ምሃብ ምጅማሮም ብምሕባር፤ ኣብ ቀረባ እዋን ብዙሓት ፅርየት መሐለዊ ገዛታት ናብ ግልጋሎት ከኣትው ከምዝህባእ ሓቢረን፡፡

ብተወሳኺ ልምዓት ኮሪደር ልምዓት ዘይብሎም ከባቢታት ሚኒስቴር ጥዕና ምስ ባንኪ ዓለም ብምትሕብባር ህዝባዊ መሐለዊ ፅርየት ገዛታት እናተሃነፁ ይርከቡ ኢለን፡፡

ኣብ ቀፃሊ ዓመት እቲ ቢሮ 100 ህዝባዊ መሐለዊ ፅርየት ገዛውቲ ከምዝህነፁ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ተዛሪበን፡፡

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቅድሚ ሕዚ ዝተሃነፁ 257 ብልምዓት ኮሪደር ህዝባዊ ፅርየት መሐለዊ ገዛታትን ድማ 57 ማሕበራት ተወዲቦም እናሰርሑ ምዃኖም ገሊፀን፡፡

ብመሳፍንት እያዩ

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

 

 

 

Comments (0)
Add Comment