ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ኣፍሪካ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብመዳይ መራሕቲ ኣፍልጦ ክረክብ ገይሩ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ 2ይ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ኣፍሪካ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብመዳይ መራሕቲ ኣፍልጦ ክረክብ ገይሩ ኢለን ሚኒስትር ፕላንና ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)፡፡

እተን ሚኒስትር እቲ ጉባኤ ብዝምልከት ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፥ እቲ ጉባኤ ሓበራዊ ድምፂ ኣፍሪካ ዝሓዘ ድንጋገ ኣዲስ ኣበባ ብምፅዳቕ ከምዝተዛዘመ ፀሪሐን፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተግባራዊ እናገበረቶ ዝፀንሐት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብቲ ድንጋገ ንኣፍሪካ ብሞዴልነት ክፅራሕ ብምግባር ኣፍልጦ ተዋሂቡዎ ኢለን።

በዚ ድማ ንክሌማዊ ለውጢ ኣፍሪካዊ መፍትሒ ምሃብ ዝከኣለሉ መገዲ ምርኣይ ከምዝተኽኣለ ብምፅራሕ፥ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንክሌማዊ ለውጢ መፍትሒ ከምዝኾነ ምግንዛብ ተኻኢሉ ኢለን፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ክሌማዊ ለውጢ ብፖሊሲን ብተግባርን ዘለዋ ተሞክሮ ብምምስካር ኣብቲ ዓውዲ ዘለዋ ግደ መሪሕነት ንዓለም ኣርኢያ ኢያ ኢለን፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኢትዮጵያ ዓበይቲ ጉባኤታት ክተተኣናግድ ከምትኽእልን ኣዲስ ኣበባ ዋና ከተማ ዲፕሎማሲን ክሌማዊ ለውጢን ኣፍሪካ ከምዝኾነት ምፍላጥ ከምዝተኽኣለ ኣብሪሀን፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) እቲ ጉባኤ ብዓወት ንኽሰናዳእን ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ኣብቲ ዞባ ዝተጎድአ መሬት ክሓዊ ኣብ ምግባር ንዘበርከቱዎ ኣስተዋፅኦ እቲ ጉባኤ ኣፍልጦ ከምዝሃቦም ኣልዒለን፡፡

ብኣንዷለም ተስፋዬ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment