ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተወገኑ ስራሕቲ ልምዓት እታ ከተማ ውቅብቲን ምቹውቲን ገይሩዋ – ኣርቲስት ኦሞ ሳንጋሬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓለም ለኸ ተፈላጥነት ዘትረፈት ማላዊት ኣርቲስት ኦሞ ሳንጋሬ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝወገኑ ስራሕቲ ልምዓት ተዘዋዊራ ተመልኪታ፡፡

ኣርቲስት ኦሞ ሳንጋሬ ተዓዋቲት ሽልማት ግራሚ ኣዋርድ፣ ተኻታዒት መሰል ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪካን ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዝተጎናፀፈትን ድምፃዊት ኢያ።

ብእናኣ ዘርኢ ሓረግ ኢትዮጵያ ከምዘለዋ ትዛረብ ኦሞ ሳንጋሬ፥ ኣብ እንጦጦ ፓርክ፣ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ፣ መሰረተ ልምዓት መገዲን ፓርኪታትን ሓዊሱ ካልኦት ስራሕቲ ልምዓት ተመልኪታ።

እታ ኣርቲስት ኣብ እዋን ዑደታ ኣብ ዝሃበቶ ርኢቶ÷ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ናብ ኢትዮጵያ መፂኣ ከምዝነበረት ኣዘኻኺራ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን እታ ከተማ ብቕልጡፍ ከምዝተለወጠትን ብርእሰ ዓቕሚ እዚ ዝመስል ከተማ ከምኡአ ውን ፅሬት ዘለዎም ህንፃታታት ምህናፅ ዘደንቕ ኢዩ ኢላ።

ኣብቲ እዋን ዑደት ካብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ዝመፅኡ ኣርቲስታት፣ ቲክቶከራትን ፅዕንቶ ፈጠርቲ ውልቀሰባትን እውን ተሳቲፎም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment