ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየዱ ጉባኤታት ንሓምለዋይ ዲፕሎማሲ ምጥቃም ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየዱ ኣህጉራዊን ዓለም ለኸን ጉባኤታት ንስራሕቲ ሓምለዋይ ዲፕሎማሲ ምጥቃም ይግባእ ኢሎም ምሁራን ዓለም ለኸ ርክብ፡፡

ምሁር ዓለም ለኸ ርክብን ዲፕሎማሲን ብሩክ ሃይሉ (ፕ/ር)፥ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሰሙናት ተተኣናግዶ 2ይ ጉባኤ ሓለዋ ከባቢ ኣፍሪካ ተሞክሮታት ሓምለዋይ ኣሰር ተካፍለሉ ከምዝኸውን ተዛሪቦም፡፡

ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰርን ዕቀባ ሓመድን ማይን ዝተወገኑ ተግባራት ጉባኤ ንምትእንጋድ ተመራፂት ከምዝገበራ ብምፅራሕ፥ እቲ ጉባኤ ፅዕንቶ ፈጣራይነታ ዘጉልህ ኢዩ ኢሎም፡፡

ካሊእ ምሁር ዲፕሎማሲን ዓለም ለኸ ርክብን ጥላሁን ሊበን ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ክሌማዊ ለውጢ ኣብ ምክልኻል ዝወገነቶም ተግባራት ብምክፋል እቲ ጉባኤ ንስራሕቲ ሓምለዋይ ዲፕሎማሲ ምጥቃም ከምዝግባ ኣገንዚቦም፡፡

እቲ ጉባኤ ኣብ ዝሓፉ ዓመታት ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ዝሰርሐቶም ስራሕቲ ንዓለም ተርእየሉ ከምዝኸውን እቶም ምሁራን ገሊፆም፡፡

ብመቅደስ ከበደ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment