ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፀገም ምቁርራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምንካይ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብተደጋጋሚ ምቁርራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምንካይን ናብ ባዶ ንምውራድን ብትኹረት እናሰርሐ ምዃኑ ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጦም፡፡

ሓላፊ ግልጋሎት ሚዲያ ማናጅመንት ኣይተ ኣብርሃም ደግፍ ከምዝበልዎ÷ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ፀገማት ዝፍጠር ምቁራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናብ ባዶ ንምውራድ ትልሚ ተታሒዙ ይስራሕ ኣሎ፡፡

ብመሰረት እቲ ትልሚ ኣዲስ ኣበባ ትኹረት ተዋሂብዎ ከምዘሎን ብምሕባር እዙይ ብብርኪ ሃገር መንቀሊ ምቁርራፅ ሓይሊ ንምፍላይን ናይ ምትዕርራይን ስራሕ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም፡፡

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብጂፒኤስ ቴክኖሎጂ ብምሕጋዝ 152 ማእኸላይ መስመራት ምርመራ ምክያዱ እቶም ሓላፊ ንፋና ዲጂታል ተዛሪቦም፡፡

ብተወሳኺ ማእከላይ መስመራት ዝሽከሙ 49 ሺሕን 581 ዓንዲታት ቅድመ ምርመራ ምግባሩ ኣረዲኦም፡፡

በዙይ እውን ልዕሊ 26 ሺሕን 559 ከበድትን ንኣሽቱን ፀገማት ዝተረኸቡ እንትኾን ተወሳኺ ምቁራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ መንቐሊኡ ብምፍላይ መፍትሒ ኣብ ምሃብ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቅፅል ሓቢሮም፡፡

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምቁርራፅ ሓይሊ ንምቕናስ ኣብ ዝካየድ ከይዲ ስራሕ ማሕበረሰብ ኣድላዩ ምትሕብባር ክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

Comments (0)
Add Comment