ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ፅባሕ ዝኽበር በዓል መስቀል ደመራ ምኽኒያት ብምግባር ንተሽከርከርቲ ዝዕፀዉ መገዲታት ዕላዊ ገይሩ።
ብመሰረት እዚ፦
- ካብ ቅዱስ ኡራኤል ኣደባባይ ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወስድ መገዲ ቅዱስ ኡራኤል ኣደባባይ፣
- ካብ ኣንፈት ቦሌ ናብ መስቀል ኣደባባይ ንዝመፅኣ ተሽከርከርቲ ኦሎምፒያ ኣደባባይ ላዕልን ታሕትን፣ የማነ ፀጋምን፣
- ካብ መስቀል ፍላወር ናብ ኦሎምፒያ ዝወስድ መገዲ ጋዜቦ ኣደባባይ፣
- ካብ ኣጎና ሲኒማ ናብ መስቀል ኣደባባይ ንከበድቲ ተሽከርከርቲ ጥቓ ኣጎና ሲኒማ ከምኡ’ውን ንኣናእሽቱ ተሽከርከርቲ ጥላሁን ኣደባባይ (ኣራተኛ ክፍለ ጦር)፣
- ካብ ለገሃር መብራት ናብ መስቀል ኣደባባይ ለገሃር መብራት፣
- ካብ ቴሌ ናብ ስታድዮም ንዝጓዓዛ ቴሌ መቋረፂ፣
- ካብ ራስ ሆቴል ናብ ስታድየም ንዝመፅኣ ተሽከርከርቲ ራስ ሆቴል፣
- ካብ ሃራምቤ መብራት ወይ ካብ ኣምባሳደር ሲኒማ ናብ መስቀል ኣደባባይ ሃራምቤ መብራት፣
- ካብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወስድ መገዲ ጥቓ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ፣
- ካብ ዛንቺስ ሼል ናብ ባምቢስ ዝወስድ መገዲ ብጥቓ ዛንቺስ ሼል፣
- ካብ ጁፒተር ሆቴል ናብ ECA ዝወስድ መገዲ ብባምቢስ ሳልኮት ህንፃ ፅባሕ 16 መስከረም 2018 ዓ/ም ካብ ቅድሚ ቀትሪ ሰዓት 4፡00 ጀሚሩ ክሳብ እቲ መርሃ ግብሪ ዝዛዘም እቶም መገዲታት ዕፁዋት ኢዮም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!