ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፍርያት ዝኽዝኑን ዝስውሩን ዘይሕጋዊ ነጋዶ ንምቁፅፃር …

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስርዓት ንግዲ ንምዝማንን ንምቅልጣፍን ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ ኢሉ ቢሮ ንግዲ እታ ከተማ፡፡

ኣብቲ ቢሮ ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽን ኣይተ ኣሸናፊ ብርሃኑ ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉዎ÷ ጠለብ ነበርቲ መሰረት ብምግባር ቀረብ ፍርያት ንምዕባይ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምውዳድ እናተሰርሐ ይርከብ፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዕዳጋ ሰንበትን ማእኸላት ዕዳጋን ንምስፍሕፋሕ ትኹረት ከምዝተገበረ ብምሕባር÷ በዚ ድማ ተበፃሕነት ፍርያት ብዝበለፀ ምጥንኻርኻምዝተኽኣለ ተዛሪቦም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ስርዓት ዕድጊት ዝረኣዩ ዘይሕጋዊ ነጋዶ ብምቁፅፃር ምርግጋእ ዕዳጋ ምፍጣር ከምዝተኽኣለ ኣብሪሆም፡፡

ብፍላይ ብዘይሕጋዊ መገዲ ፍርያት ኣብ ልዕሊ ዝኽዝኑ፣ ዝሓብኡን ብዘይግቡእ ዋጋ ዝውስኹን ነጋዶ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ኣመልኪቶም፡፡

ብመሰረት እዚ ኣብ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ 12 ሺሕ ዘይሕጋዊ ነጋዶ ዝተፈላለየ ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ፀሪሖም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment