ኣብ ኣዲስ ኣበባ 11 ሆቴላት በዓል ሓሙሽተ ደረጃ ኮኾብ ረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስቴር ቱሪዝም ኣብ ዘካየዶ ደረጃ ምደባ ሽዱሽተ ሓደሽቲ ሆቴላት ሓዊሱ 40 ሆቴላት ኣብ ውሽጢ ደረጃ ኮኾብ ኣትዮም፡፡

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ደረጃ ኮኾብ ውሽጢ ዝነበሩ 15 ሆቴላት ድማ ብዝተፈለየ ምኽንያት ኮኾበን ተወሲዱዎም፡፡

ካብቶም ደረጃ ኮኾብ ዝተዋህቦም ሆቴላት እቶም 11 ሆቴላት በዓል 5 ኮኾብ ደረጃ ረኺቦም።

ብተመሳሳሊ 11 ሆቴላት በዓል 4 ኮኾብ ደረጃ እንትረኽቡ፤ ትሽዓተ ሆቴላት በዓል 3 ኮኾብ፣ 7 ሆቴላት በዓል 2 ኮኾብ ከምኡ እውን 2 ሆቴላት በዓል 1 ኮኾብ ረኺቦም።

ሕዚ ዝተውሃበ ደረጃ ንሰለስተ ዓመት ዝፀንሕ ምዃኑ እውን ተገሊፁ ፡፡

እቲ ዝተገብረ ምደባ ሆቴላት ንዓውዲ ቱሪዝም ዝድግፍን ንበፃሕቲ ዓዲ ዝስሕብን ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ሕዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ኮንፈረንስ ቱሪዝም ዝሕግዝ እዩ።

ብዘመን በየነ

Comments (0)
Add Comment