ኣብ ኣፍሪካ ሓቛፊን ፅርየት ዘለዎን ስልጠና ክእለት ኣብ ምስፋሕ ጠመተ ብምሃብ ምስራሕ ይግባእ-ማህሙድ ዓሊ ዩሱፍ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣፍሪካ ሓቛፊን ፅርየት ዘለዎን ስልጠና ክእለት ኣብ ምስፋሕ ጠመተ ብምሃብ ምስራሕ ይግባእ ኢሎም ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማህሙድ ዓሊ ዩሱፍ።

መበል ካልኣይ ሰሙነ ክእለት ኣፍሪካ፥ “ ዓቕሚ ኢንዱስትሪ ኣፍሪካ ምጉልባት፣ ንፈጠራ፣ ምዕባለን ዘላቕነት ልምዓት ክእለትን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይካየድ ኣሎ።

እቶም ኣቦ መንበር፥ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ሃገራት ኣፍሪካ ንምምዕባል ብምትሕብባር ምስራሕ ትፅቢት ይግበረለን ኢሎም።

ኣብ ኣፍሪካ ሓቛፊን ፅርየት ዘለዎን ሰልጠና ክእለት ኣብ ምስፋሕ ጠመተ ብምሃብ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ኣብቲ ሰሙነ ክእለት ኣብቲ ዓውዲ ዝርከቡ መዳርግቲ ኣካላት ናብ ተግባር ንክኣትዉ ንምኽኣል ዝዓለመ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብዮናስ ጌትነት

 

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment