ኣብ ኣፍሪካ ምዕባለ ንምርግጋፅ ትካላት ኣብ ፍትሒ ተመስሪቶም ክሰርሑ ይግባእ – ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣፍሪካ ሰላም ዝዓሰላን ዝማዕበለትን ንኽትከውን ትካላት ኣብ ፍትሒ ተመስሪቶም ክሰርሑ ይግባእ ኢሎም፡፡

4ይ ሲምፖዚየም ሕገ መንግስታዊ ኣቢያተ ፍርዲ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ፡፡

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ኣፍሪካ ናይ ነዊሕ እዋን ድሌት ዝኾነ ልምዓት፣ ምዕባለን ምትሕብባርን ንምዕዋት ሕገ መንግስታዊነትን ውፅኢታዊነትን ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ቁልፊ ተግባራት ከምዝኾኑ ኣገንዚቦም፡፡

ሰላም ዝዓሰላ፣ ዝማዕበለትን ሓድነታ ዝተረጋገፀን ኣፍሪካ ንምፍጣር ትካላት ኣብ ፍትሒ ተመስሪቶም ክሰርሑ ከምዝግባእን ዜጋታት ብዝመረፁዎም መንግስታት ጥራሕ ክመሓደሩ ይፍባእ ኢሎም፡፡

ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ሕጊ ምስ ምውፃእ ተተሓሒዙ ጥራሕ ዘይኮነስ ልዕልነት ሕጊ ንምኽባር፣ ተሓታትነት ንምዕሳልን መሰረታዊ መሰላት ንኽኽበሩ ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment