ኣብ ኣፍሪካ ስርዓት ገምጋም ዝጠመተ ጉባኤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኣፍሪካ ስርዓት ገምጋም ዝጠመተ መበል 25 ጉባኤ ኢቫሉዌሽን አሶሴሽን ኣፍሪካ ካብ ሰነ 9 ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ።

ንሰለስተ መዓልታት ዝካየድ ጉባኤ ኢቫሉዌሽን አሶሴሽን ኣፍሪካ ፣ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ከምኡ እውን ኢቫሉዌሽን አሶሴሽን ኣብ ኢትዮጱያ ብምትሕብባር ምድላዎም ተገሊፁ።

እቲ ጉባኤ ብዝምልከት ዝተውሃበ መግለፂ ስርዓተ ገምጋም ኣፍሪካ ዘለዎ ብርኪ ከምኡ እውን ኣጀንዳ ኣፍሪካ 2063 ዝሰማዕማዕ ስርዓተ ገምጋም እናተሰርሐ ኣብ ዘሎ ስራሕቲ ዘተ ከምዝካየድ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብታ ኣህጉር ኣብ ዓውዲ ገምጋም ዝተሰርሑ ስራሕቲ፣ ዘጋጠሞም ብድሆታትን ዝተወሰዱ መፍትሒታትን እውን ዘተ ከምዝግበር ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ልዕሊ 40 ሃገራት ተወከልቲን ልዕሊ 300 ተሳተፍቲ ከምዝዕደሙ ፕሬዚደንት ማሕበር ኢቫሉዌሽን አሶሴሽን ደረጀ ማሞ ተዛሪቦም፡፡

ብመሰረት ዳታ ዝገበረ ኣብ ውሳነታት ኣወሃህባ ብዝምልከት 14 ፅሑፈት ገምጋም ከምዝቐርቡን 70 ዝኾኑ ተዛረብቲ ኣብቲ ዘተ ከምዝሳተፉን ተገሊፁ።

ኢቫሉዌሽን አሶሴሽን ኣፍሪካ ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ስርዓተ ገምጋም ኣብ ኣፍሪካ ንምፍላጥ ዓብዩ ስራሕ ከምስርሑ ፕሬዚዳንት እቲ ትካል ሚቼ ኦውድራጎ (ዶ/ር) ተዛሪቦም፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ፕላንን ልምዓትን ኣይተ ጥሩማር ኣባተ ብወገኖም፥ እቲ ሚኒስቴር ኣብ ስራሕቲ ገምጋምን ክትትልን ትኹረት ብምግባር እናሰርሐ ከምዝርከብ ብምሕባር ፤ እቲ ኣሰራሓ ፖሊሲ ምድላው ሓቢሮም፡፡

ብዘመን በየነ

 

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment