ኣብ ኣፍሪካ ብገበን ሳይበር ዝተጠርጠሩ 651 ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓለም ለኸ ትካል ፖሊስ (ኢንተርፖል) ኣብ ኣፍሪካ ገበን ምጭብርባር ሳይበር ብዝብል ዝተጠርጠሩ 651 ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣውዒሉ፡፡

ኢንተርፖል ኣብ ኤክስ ገፁ ከምዝሓበሮ÷ ’ኦፕሬሽን ሬድ ካርድ 2 ነጥቢ 0’ ብምባል ብዝሰየሞ ወፍሪ ኢዩ ኣብ 16 ሃራት ኣፍሪካ ዝርከቡ ተጠርጠርቲ ገበናት ሳይበር ኣብ ቁፅፅር ኣውዒሉ፡፡

ተጠርጠርቲ ብዝፈጠሩዎ ገበን ብኦንላይን ኢንቨሰትመንት፣ ብዝውውር ሞባይል ገንዘብን ኦንላይን ናይ ልቓሕ መመልከቲን ሕጋዊ ብምምሳል 45 ሚሊየን ዶላር ገንዘብ ክሳራ ኣብፂሖም ተባሂሉ፡፡

እቶም ውልቀ ሰባት ካብ ዝሰረቑዎ ገንዘብ ኢንተርፖል ክሳብ ሕዚ 4 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዶላር ከምዘምለሰ ገሊፁ።

በቲ ገበን ሳይበር ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ካብ ሞንጎ ዝወዓሉ ውልቀሰባት ብተወሳኺ 2 ሺሕን 341 ኤሌክትሮኒክ መሳርሒታት መጭበርበሪ ሳይበር ከምዝተትሓዙ ዝየገለፀ ኢንተርፖል፤ ተጠርጠርቲ ይጥቀሙሎም ዝነበሩ ልዕሊ 1 ሺሕን 442 መርበብ ሓበሬታታት ከምዝዓፀወ ሓቢሩ።

ዝተወደበ መጥቃዕቲ ሳይበር ብብርኪ ዓለም በዘተሓሳስብ መልክዑ ምምፅኡ ዝገለፀ ኢንተርፖል÷ ናይ ሳይበር ኣጭበርበርቲ መስመሮም ንምብታኽን እቲ ገበን ንምክልኻልን ሓበራዊ ምትሕብባር ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂቡ፡፡

ብሚኪያስ ኣየለ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment