ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣፍሪካ ኢንቨስትመንት ዓውዲ ውልቀ ክብ ንምባል ቀጣናዊ ዝምድና ወሳኒ ኢዩ ኢሎም ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ።
እቶም ሚኒስትር ኣብ ሞሮኮ ራባት ኣብ ዝተኻየደ ፎረም ኢንቨስትመንት ኣፍሪካ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ መሰረተ ልምዓት፣ ቴክኖሎጂን ዕድል ዕዳጋን ኣብታ ኣህጉር ዘሎ ተሳትፎ ዓውደ ውልቀ ክብ ንምባል ወሳኒ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ንቀጣናዊ ዝምድና ቀዳምነት ከምእትህብን ጉዳይ ወፃኢን ፓሎሲ ኢኮኖሚኣን ማእኸል ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ሪፎርምታት ውሽጢ ዓዲ ምስ ኣህጉራዊ ማዕቐፋት ብምጥዕዓም ንቐጣናዊ ምትሕብባር ቁርፀኛ ምዃና ብምግላፅ፥ ንኣብነት ኣብ ኣህጉራዊ ናፃ ቀጣና ንግዲ ኣፍሪካ፣ ኣብ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ሓበራዊ ዕዳጋ (ኢኮዋስ)ን ኣብ ኢጋድ ዘለዋ ተሳትፎ ገሊፆም።
ኣብ ኣፍሪካ ተሳትፎ ኢንቨስትመንት ዓውዲ ውልቀ ክብ ንምባል ቀጣናዊ ምትሕብባር ወሳነቢ ከምዝኾነ እወን ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ኣብዚ ጉዳይ ምስ ሕጊታት ኢንቨስትመንት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተጠዓዓሙ ሕጊታት ብምትግባር፣ ዘበናዊ ስርዓት ጉምሩክን ዲጂታል ሰርዓት ንግዲን ብምዝርጋሕ ቆላሕቲ ሂባ ትሰርሕ ከምዘላ ተዛሪቦም።
ብሃይለማርያም ተገኝ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!