ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኣፍሪካ ድኽነት፣ ስእነት ስራሕን ኣድልዎን ንምፍታሕ ቆራፅነት ምትሕብባርን ምጥንኻር ከምዝግባእ ቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም፡፡
መበል 20 ዓለም ለኸ ትካላት ስራሕ ዝተመስረተ ናይ በዓል ሞያታት ‘ሌቨር ቤዝድ ፕራክቲሽነርስ’ ኣህጉራዊ ኣኼባ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ፡፡
ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ÷ እቲ ኣኼባ ፖሊሲ ኣፍሪካውያን ሓንፀፅቲ ሰብ ሞያታት ፈጠራ መሰረት ዝገበረ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር፣ ድኽነት ንምንካይን ፅዕንቶ ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምፅዋር ዝሕግዝ እዩ ኢሎም፡፡
እቲ ዕላማ ንምዕዋት ኣብታ ኣህጉር ናይ ኩሎም ሃገራት ሓባራዊ ፃዕሪ የድሊ ዝበሉ እቶም ኣፈ ጉባኤ÷ ኢትዮጵያ ቆራፅ ምዃና ኣረጋጊፆም፡፡
ኢትዮጵያ ዓለምለኻዊን ዞባውን ፃዕርታት ከምኡ እውን መርሃ ግብሪ ብሄራዊ ተግባራት ኣብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ምችው ኩነታት ንምፍጣር ዘለውና ቆራፅነት ዘርእይ እዩ ኢሎም፡፡
ፖሊሲታት፣ ስትራተጂታት ልምዓት ከምኡ እውን ሃፍቲታት መሰረተ ልምዓታት ንዕድል ፈጠራ ስራሕ ሓቋፊ ለውጢ መሰረት ምዃኑ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
ዓወታት ልምዓት ድኽነት ንምንካይ፣ ዕድላት ስራሕ ንምፍጣርን ፍትሓዊ ተበፃሕነት ንምርግጋፅን ዘኽእሉ ከምዝኾነ ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ።
ኣፍሪካ ዘለውዋ ብድሆታትን ዘለውዋ ሰናይ ዕድል ብግቡእ ንምጥቃም ኣብ ምትሕብባር ዝተመስረተ ተግባር የድሊ ክብሉ ኣረዲኦም፡፡