ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ምብራቓዊ ኣፍጋኒስታን ብዘጋጠመ ሓደጋ ራዕዲ መሬት ዝሞቱ ሰባት ቁፅሪ ካብ 800 ሓሊፉ ተባሂሉ፡፡
በቲ ሓደጋ ልዕሊ 2 ሺሕን 500 ሰባት ዝተጎድኡ እንትኾኑ፤ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን በቲ ሓደጋ ልዑል ጉድኣት ኣተኣናጊዶም፡፡
ማእኸል መፅናዕቲ ስነ መሬት ኣሜሪካ ከምዝሓበሮ÷ ኣፍጋኒስታን ምስ ፓኪስታን ኣብ ትዋሰነሉ ምብራቓዊ ክፋል ብሬክተር ስኬል 6 ዝበፅሕ ራዕዲ መሬት ኣጋጢሙ፡፡
በቲ ሓደጋ ክሳብ ሕዚ 812 ሰባት ከምዝሞቱ እንትረጋገፅ፤ ቁፅሪ ተጎዳእቲ 3 ሺሕ ክበፅሕ ከምዝኽእል ተሓቢሩ፡፡
ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍጋኒስታን ሻራፋት ዛማን÷ በቲ ሓደጋ ብዙሓት መንደራት ከምዝዓነዉ ገሊፆም።
እቲ ሓደጋ ስዒቡ ከም ቻይና፣ ቱርክ፣ ኣዘርባጃን፣ ህንዲን ካልኦትን ዘበላ ሃገራት በቲ ሓደጋ ዝተመዐን ሓዘን ብምግላፅ፤ ኣብዚ እዋን ሓደጋ ኣብ ጎኒ ኣፍጋኒስታን ከምዝኾና ዘለወን ምሕዝነት ምግላፀን ኣልጀዚራ ፀብፂቡ፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!