ኣብ እስራኤል ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ እስራኤል ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ሰራሕተኛታት ሓደጋ ባርዕ ን30 ሰዓታት ዝኣክል ብዝገበርዉ ብርቱዕ  ስራሕ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ተገሊፁ።

በቲ ሓደጋ ብዙሓት ነበርቲ ከባቢ እየሩሳሌም ተመዛቢሎም ኢዮም።

12 ሰባት ድማ ብሰንኪ ካብቲ ባርዕ ሓዊ ዝወፅአ ትኪ መተንፈሲ ኣካላቶም ተዓፊኑ ናይ ምትንፋስ ፀገም ከምዘጋጠሞምን ናብ ሆስፒታል ከምዝኸዱን ተሓቢሩ።

በዓል መዚ ሓደጋ ባርዕ እስራኤል ከምዝበሎ፥ ልዕሊ 20 ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነ ባርዕ ሓዊ ናብ እስራኤል ተስፋሕፊሑ ተወሳኺ ጉድኣት ከየስዓበ ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ ኣሎ።

ኣብ ወፍሪ ምጥፋእ ሓዊ፥ ሰራሕተኛታት ሓደጋ ባርዕ ሃገረ ጣልያን፣ ክሮሺያ፣ ስፔን፣ ፈረንሳይ፣ ዩክሬንን ሮማኒያን ምስታፎም ኣሶሼትድ ፕሬስ ፀብፂቡ።

ብሚኪያስ ኣየለ

Comments (0)
Add Comment