ኣብ እዋን ቀውዒ ክሳብ ሕዚ 7 ሚሊየን ሄክታር ብዘርኢ ተሸፊኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ እዋን ቀውዒ 2017/18 ክሳብ ሕዚ 7 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብዘርኢ ተሸፊኑ ኢሉ ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ግርማ አመንቴ (ዶ/ር) ከምዝበልዎ÷ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ኣብ ቀውዒ፣ ሓጋይን ከምኡ እውን ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዘዕግብ ውፅኢት ተመዝጊቡ፡፡

ኣብዚ ዓመት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ቀውዒ 21 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብዝተፈላለዩ ዝራእቲ ክዝራእ ምዃኑ ሓቢሮም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብልዑል ኩነታት ዝስራሕ ዘሎ ስራሕቲ ኣዝርእቲ ከም መሸላ ባሕሪ፣ ፋፍ፣ ስርናይን ስገምን ዝኣመሰሉ ዝራእቲ ከከም ከባቢኡ ስነ ህይወት ይዝራእ ከምዘለዉ ኣረዲኦም።

ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ብምጥቓምን ኣብ ሓረስቶት ግንዛበ ብምፍጣር ሓዊሱ ምስርሑ ኣብዚ ኣመት ዝተመሓየሸ ፍርያት ትፅቢት ይግበር ኢሎም፡፡

ፍርያት ንምዕባይ ዘኽእሉ ዘበናዊ ድኹዒ፣ ልዑል ፅሬት ዘለዎ ዘርኢን ምህርትን መፍረያይነትን ክውስኹ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ እታዎታትን ኣብ እዋኑ ናብ ሓረስቶት ከምዝተበፅሑ ሓቢሮም፡፡

ኣብ እዋን ቀውዒ ንኢትዮጵያ ዓብዩ ግዘ ፍርያት ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር÷ ኣብዚ ዓመት ብሓፈሻ ካብ ዝፈርይ 70 ሚእታዊት ኣብዚ እዋን ከም ዝእከብ ኣብሪሆም።

ኣብዚ ዓመት 13 ሚሊየን ሄክታር መሬት ኣብ ኩታ ገጠም ዝለምዕ እንትኾን÷ 6 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብመካናይዜሽን ክለምዕ ምሕራሱ ሓቢሮም።

ኣብ እዋን ቀውዒ 21 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብኣዝርእቲ ምሽፋኑ ልዕሊ 659 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ንምእኻብ ትልሚ ተታሒዙ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

 

 

 

Comments (0)
Add Comment