ኣብ እዋን ክረምቲ ግልጋሎት ወለንታዊ 90 ሺሕ ዩኒት ደም ንምእካብ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ግልጋሎት ባንኪ ደምን ቲሹን ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ክረምቲ ግልጋሎት ወለንታዊ 90 ሺሕ ዩኒት ደም ንምእካብ ይስራሕ ኣሎ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ግልጋሎት ሃብታሙ ታዬ ንፋና ዲጂታል ከምዝበልዎ፣ ኣብ ኣዋርሕ ክረምቲ ብሰንኪ ሕፅረት ደም ህይወት ሰባት ናብ ሓደጋ ከይወድቕ መዳርግቲ ኣካላት ንምስታፍ ይስራሕ ኣሎ።

ኣብዚ መርሃ ግብሪ ደም ልገሳ ብብርኪ ዓለም ዝተጀመረ ክረምቲ ወለንታዊ ግልጋሎት ሕብረተሰብ ደም ንኽልግስ ምንቅስቓሳት ተጀሚሩ።

ብምትሕብባር ማሕበር ብሄራዊ መናእሰይ ደም ልገሳ ካብ 1 ሓምለ 2017 ክሳብ 30 መስከረም 2018 ዓ.ም 90 ሺሕ ዩኒት ደም ንምእካብ ትልሚ ምሓዙ ተገሊፁ።

ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ 40 ሺሕ ዩኒት ደም ንምእካብ ተተሊሙ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም፡፡

ብኣድማሱ ኣራጋው

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

Comments (0)
Add Comment