ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ክልላት ትግራይን ማእኸላይ ኢትዮጵያን ኣብ እዋን ፅድያ ዝሐሸ ፍርያት ንምርካብ ዘኽእል ውፅኢታዊ ስራሕ እናተሰርሓ ምኻነን ኣፍሊጠን፡፡
ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣበራ ከደነው፤ ኣብ እዋን ፅድያ 22 ሺሕ ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ንምሽፋን ከምዝተሓሰበን ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 8 ሺሕ ሄክታር መሬት ከምዝተሸፈነ ተዛሪቦም፡፡
ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር መተሓባበሪ ክላስተር ልምዓት ገፀር ሕርሻን ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ኡስማን ሱሩር ብግደኦም፤ ኣብ እዋን ፅድያ ልዕሊ 400 ሺሕ ሄክታር ብዝራእቲ ንምሽፋን እናተሰርሐ ክዝርከብ ገሊፆም፡፡
ክሳብ ሕዚ ልዕለ 60 ሚኢታዊ ከምዝተሓረሰን ሓፈሻዊ ብዝራእቲ ካብ ዝሽፈን መሬት ልዕሊ 59 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ንምርካብ ትፅቢት ከምዘሎን ሓቢሮም፡፡
ቀረብ ዘበናዊ ዱኽዒን ምሩፅ ዘርኢን ኣቐዲምካ ንሓረስቶት ከምዝተኸፋፈለ እቶም ሓለፍቲ ስራሕ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣረጋጊፆም፡፡
ብዙፋን ካሳሁን