ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከባቢታት ቆላ ዘለና ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት ንምልማዕ ጠመተ ተዋሂቡ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም ሚኒስትር ግብርና ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ።
ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ ኣብ ክልል ሶማሌ ዞባ ሸበሌ ወረዳ በረዓኖን ጎዴን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ግብርና ዑደት ይገብሩ ኣለዉ።
እቶም ሚኒስትር ከምዝበልዎ፥ ኣብቲ ክልል ኣስታት 10 ሚሊየን ሄክታር መሬት ንሕርሻ ዝውዕል ኢዩ።
ካብ መንጎ እዚ 2 ነጥቢ 3 ሚሊየን ሄክታር ብመስኖ ክለምዕ ዝኽእል ኢዩ ኢሎም።
ኣብ ናይ ለውጢ ዓማውቲ ንስራሕቲ ልምዓት መስኖ ቆላሕታ ከምዝተውሃበ ብምግላፅ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብቲ ክልል ወሓዚ ሩባ ሸበሌ ነዚ ዕላማ ብስፍሓት ናይ ምውዓል ይካየድ ከምዘሎ ኣገንዚቦም።
ብታምራት ደለሊ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!