ኣብ ከባቢ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ተረባሕነት  ህዝቢታት ዘጠናኽር ልምዓት…

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከባቢ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ኩለመዳይ ልምዓትን ተረባሕነትን ህዝቢታት ንምጥንኻር ብምትሕብባር ምስራሕ ከምዝግባእ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ከባቢ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ተረባሕነት ልምዓት፣ ሰላምን ሰናይ ምምሕዳርን ንምርግጋፅ እናተወገነ ዝፀንሐ ፕሮጀክት መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ተኻይዱ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተወከልቲ ሚኒስቴር ሕርሻን ሰላምን፣ ኣመራርሓ ዞባ ቦረና ክልል ኦሮሚያ፣ ትካልት ሲቪል ማሕበረሰብን ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኬንያን ተረኺቦም፡፡

ኣማኻሪ ሚኒስትር ሰላም ኣምባሳደር እሸቱ ደሴ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ኣብ ከባቢ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ዝነብሩ ህዝቢታት ተመሳሳሊ ባህሊ፣ ቋንቋን ምትእስሳር ህይወትን ኣለዎም፡፡

ህዝቢታት ዘላቒ ሰላም ንምሕላውን ምትእስሳሮም ብዝበለፀ ንምድንፋዕ ክልቲአን ሃገራት ብምትሕብባርን ብምውዳድን እናሰርሑ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡

ኣካቢ ቦርድ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣበራ ዴሬሳ ብግደኦም÷ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ዓሚቕ ሃፍቲ ተፈጥሮ ብዝግባእ ተጠቒሙ ንምልማዕ ብምትሕብባር እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም፡፡

ኣብ ከባቢ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ቦረና፣ ማርሳቤትን ካልኦት ከባቢታትን ነበርቲ ዝኾኑ ኩለመዳያዊ ምትእስሳር ንኽጠናኸር ክሰርሑ ይግባእ ዝበሉ ድማ ሓላፊ ፕሮግራማት ቪኤስኦ ኣዚኬል ኣስኪሱ ኢዮም፡፡

ትካሎም ኩለመዳይ ርክብ ክልቲኦም ህዝቢታት ንምጥንኻርን ዝረኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ ምስ መንግስታት እተን ሃገራት ብቖራፅነት ዝውግኖ ፕሮጀክት ዘዕግብ ውፅኢት ከምዘምፀአ ኣብሪሆም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment