ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ሃዋሳ ሎሚ ንጎሆ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 4 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ።
ሓላፊ ዲቪዥን ቁፅፅር ሓደጋ ትራፊክ ፖሊስ ኮነሚሽን ክልል ሲዳማ ኮማንደር ከበደ ከኔራ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝተዛረብዎ፥ እቲ ሓደጋ ወንዶ ማዞሪያ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ኢዩ ኣጋጢሙ።
ሲኖትራክ ካብ ከተማ ሃዋሳ ናብ ቱላ እንትጓዓዝ ምስ ዝነበረ ታክሲ ከተማ ብምልታሙን ኣብ ልዕሊ እግረኛታት ሓደጋ ሞትን ኣብ ልዕሊ 8 ሰባት ድማ ጉድኣት ኣካልን ምግጣሙ ኣብሪሆም።
ብደብሪቱ በዛብህ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!