ኣብ ከተማ ሃዋሳ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 4 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ሃዋሳ ሎሚ ንጎሆ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 4 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ።

ሓላፊ ዲቪዥን ቁፅፅር ሓደጋ ትራፊክ ፖሊስ ኮነሚሽን ክልል ሲዳማ ኮማንደር ከበደ ከኔራ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝተዛረብዎ፥ እቲ ሓደጋ ወንዶ ማዞሪያ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ኢዩ ኣጋጢሙ።

ሲኖትራክ ካብ ከተማ ሃዋሳ ናብ ቱላ እንትጓዓዝ ምስ ዝነበረ ታክሲ ከተማ ብምልታሙን ኣብ ልዕሊ እግረኛታት ሓደጋ ሞትን ኣብ ልዕሊ 8 ሰባት ድማ ጉድኣት ኣካልን ምግጣሙ ኣብሪሆም።

ብደብሪቱ በዛብህ

 

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment