ኣብ ከተማ መቐለ 16 ጥቅምቲ ትምህርቲ ክጅመር እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ከተማ መቐለ ዝመፅእ 16 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም ከይዲ ምምሃርን ምስትምሃርን ክጅመር እዩ ኢሎም ከንቲባ ከተማ መቐለ ሽሻይ ኣማረ (ዶ/ር)።

እቶም ከንቲባ ምስ መምህራንን ኣካላት ምምሕዳር ቤት ትምህርትን ከተማ መቐለ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘትዮም።

ኣብቲ እዋን መምህራንን ወለድን ከይዲ ናይ ትምህርቲ ስራሕ ብዓወት ንኽቕፅል ናይ ባዕሎም ግደ ክዋፅኡ ፀዊዖም።

እቲ ከይዲ ትምህርቲ ዳግማይ ምጅማሩ ተምሃሮ ናብ ገበታ ትምህርቶም ንኽምለሱን ብሰንኪ ጉድኣት ተቛሪፁ ዝፀንሐ ኣገልግሎት ትምህርቲ ንኽቕፅልን ዝሕግዝ ምዃኑ እቶም ከንቲባ ገሊፆም።

ብፍላይ መምህራን ተምሃሮ ብግቡእ ንምቕባልን እቲ ናይ ትምህርቲ ስራሕ ንምቕፃልን ወለዲ ድማ ደቆም ናብ ገበታ ትምህርቶም ብምምላስ እቲ ናይ ትምህርቲ ስራሕ ክድግፉ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቦም።

ብተወሳኺ ከንቲባ ሽሻይ ኣማረ (ዶ/ር) ብሰንኪ ጉድኣት እቲ ናይ ትምህርቲ ስራሕ ተቛሪፁሉ ዝፀንሐ ቤት ትምህርቲ ሃፀይ ዮሃንስ ብምብፃሕ ኣብቲ ቦታ ዘሎ ኩነታት ተዓዚቦም።

ብኤልያስ ሚካኤል

 

Comments (0)
Add Comment