ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 22 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።
እቲ ሓደጋ ሎሚ ንጎሆ ሰዓት 11 ዘጋጠመ እንትኸውን፥ ብዘይሕጋዊ መገዲ ብደላሎ ተታሊሎም ናብ ሃገራት ወፃኢ ንምኻድ ዝተኣከቡ ሰባት ዝፀዓነ ተስሓቢ መኪና ኣብ ኣደባባይ ከተማ ሰመራ እንትበፅሕ ብምግልባጣ ዘጋጠመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ሓላፊ ቢሮ ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ኣይተ መሓመድ ዓሊ ቢኢዶ ንፋና ዲጂታል ከምዝበልዎ፥ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ክሳብ ሐዚ 22 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ።
ቁፅሪ መወትትቲ ክውስኽ ከምዝኽእል ብምግላፅ፥ ካልኦት 30 ሰባት ከቢድን 35 ሰባት ድማ ቀሊልን ጉድኣት ከምዘጋጠሞም ሓቢሮም።
ጉድኣት ዘጋጠሞም ሰባት ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዱብቲ ሕክምናዊ ሓገዝ ይግበረሎም ኣሎ ኢሎም።
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!