ኣብ ከተማ ሰቆጣን ፍኖተ ሰላምን ህዝባዊ ሰለማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ምምሕዳር ዋግ ኽምራ ብሄረሰብ ከተማ ሰቆጣ ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ሰልፊ፥ ነበርቲ፣ ሰራሕተኛ መንግስቲን ነበርቲ ወረዳታት እቲ ከባቢን ተረኺቦም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ከተማ ፍኖተ ሰላም ህዝባዊ ሰልፊ ድጋፍ ይካየድ ኣሎ።

ሰላም ሃገርና ንምህዋኽ ምስ ታሪካዊ ፀላእትና ዝተሰለፉ ሓይሊታት ብፅኑዕ ነውግዝ፣ መንግስቲ ሰላም ንምንጋስ ዝወስዶም ስጉምቲታት ንድግፍ ዝብሉ መልእኽታት ኣብቲ ሰልፊ ተመሓላሊፎም።

ሰራዊት ምክልኻል፣ ሓይሊታት ፀፅታ ፌዴራልን ሓይሊታት ፀፅታ ክልልን ንዝኸፈልዎ ዋጋ ክብሪ ንህብ እውን ኢሎም።

ሰላመይ እሕሉ ኩለ መዳይ ምዕባለ አረጋግፅ ዝብሉ መልእኽታት ተደሚፆም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment