ኣብ ከተማ ኖርዊች ዝገርም ክእለቱ የርኢ ዘሎ ትውልደ ኢትዮጵያዊ ዓሊ አሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ምስ ካናዳዊ ቫንኩቨር ኋይትካፕ ን እንግሊዛዊ ኖርዊች ሲቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ መስኮት ዝውውር ዝተፀንበረ ትውልደ ኢትዮጵያ ዓሊ ኣሕመድ፣ ብኽእለቱ ንብዙሓት ይምስጥ ኣሎ።
ዓሊ ኣሕመድ ኣብ 2000 ኣብ ካናዳ ከተማ ቶሮንቶ ዝተወለደ እንትኾን ወለዱ ቅድሚ 30 ዓመት ካብ ሃረርጌ ናብ ካናዳ ብምኻድ ናብርኦም ኣብኡ ገይሮም፡፡
ኣብ ኣካዳሚ ክለብ ኩዕሶ እግሪ ቶሮንቶ ዝጀመረ ዓሊ፤ ኣብ መስኮት ዝውውር ወርሒ ጥሪ ካብ ክለብ ኩዕሶ እግሪ ሜጀር ሊግ ሶከሩ ቫንኩቨር ኋይትካፕ ናብ ክለብ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ኖርዊች ሲቲ ብኽልተ ሚሊየን ፓውንድ ብምዝውዋር ደረጅኡ ልዕል ኣቢሉ፡፡
ኖርዊች ሲቲ ሓንቲ ሸቶ ብምምዝጋብን ንመሪሕነት ሻምፕዮን ኮቨንተሪን ሲያሸንፍ ብምስዓር ብሉፅ ተፃዋታይ ተባሂሉ ናእዳ ረኺቡ፡፡
እዚ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ካብ ቫንኩቨር ኋይትካፕ ናብ ኖርዊች ሲት ዝተፀንበረ ወዲ 25 ዓመት ተፃዋታይ ንሞያኡ ፅቡቕ ጅማሮ ኣካይዱ ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ፀወታታት ምስታ ክለብ ክልተ ሸቶታት ብምምዝጋብን ኣጀማምርኡ ኣፀቢቑ።
ብኣቤል ነዋይ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ፌስቡክ FBC Tigrigna
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
Comments (0)
Add Comment