ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 480 ሺሕ ማናእሰይ ስልጠና ኢትዮ ኮደርስን ወረቐት ምስክርን ወሲዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 480 ሺሕ ማናእሰይ ስልጠና ኢትዮ ኮደርስን ወረቐት ምስክርን ወሲዶም ኢሉ ቢሮ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ምምሕዳር እታ ከተማ፡፡

ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይታ ኣዋሌ መሓመድ ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉዎ÷ ስልጠና 5 ሚሊየን ኢትዮ ኮደርስ ዲጂታል ክእለት መናእሰይ ብምዕባይ ዓለም ለኸ ተወዳዳራይነቶም ዘደንፍዕ ኢዩ፡፡

ዜጋታት ግዚኡ ዝጠልቦ ክእለት ቴክኖሎጂ ክህልዎም ብምግባር ናይ ፈጠራ ዓቕሞም ኣብ ምጥንኻር ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ እውን ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መርሃ ግብሪ ስልጠና 5 ሚሊየን ኢትዮ ኮደርስ ብዝተተለመሉ መሰረት እናተወገነ ከምዝርከብ ኣመልኪቶም፡፡

በቲ ኢኒሼቲቭ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብታ ከተማ ልዕሊ 733 ሺሕ መናእሰይ ስልጠናኦም እናተኸታተሉ ከምዝርከቡ ኢዮም እቶም ሓላፊ ገሊፆም፡፡

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ልዕሊ 480 ሺሕ መናእሰይ ስልጠናኦም ብዝግባእ ብምዝዛም ወረቐት ምስክር ከምዝወሰዱ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ልዕሊ 809 ሺሕ መናእሰይ ስልጠና ኢትዮ ኮደርስ ተኸታቲሎም ወረቐት ምስክር ንኽወስዱ ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment