ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መበል ሻውዓይ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ሓምለዋይ ኣሰር ይካየድ ኣሎ።
እቲ መርሃ ግብሪ “ብምትካል ምብራኽ” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ ኢዩ።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ÷ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት 85 ሚሊየን ፈልስታት ምትካሎም ሓቢረን።
ብመሰረት እዚ ሽፉን ደኒ እታ ከተማ ካብ 2 ነጥቢ 8 ናብ 22 ሚኢታዊት ከምዝበፅሐ ተዛሪበን።
ኢትዮጵያ ፈልሲ ብምትካል ተሓጋዝነት ታሪክ ንምግባር ትሰርሕ ኣላ ኢለን።
ኣዲስ ኣበባ ንምንባር ምቹእቲን ውቅብቲን ንምግባር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ምዝራበን ክብል ኮሚኒኬሽን እቲ ምምሕዳር ከተማ ንፋና ዲጂታል ገሊፁ።
ብብርኪ ሃገር ሎሚ ዘበን 7 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልስታት ክትከሉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!