ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መንበሪ ኣባይቲ ብቅልጡፍ ብፅሬትን ንምህናፅ ብፍሉይ ትኹረት ይስራሕ ኣሎ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መንበሪ ኣባይቲ ብቅልጡፍ ብፅሬትን ብዝተፈላለዩ ኣማራፂታት ንምህናፅ ብፍሉይ ትኹረት ይስራሕ ኣሎ ኢለን ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡

እተን ከንቲባ ኣብ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ ላፍቶ ከባቢ ኣደባባይ ጀርመን ብመንግስቲ እናተሃነፁ ዝርከቡ መንበሪ ኣባይቲ ዝርከቡሉ ብርኪ ህንፀት ተዓዚበን፡፡

ኣብቲ እዋን ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጠለብ ገዛ ነበርቲ ንምምላእ ብዝተፈላለዩ ኣማራፂታት መንበሪ ኣባይቲ እናተሃነፁ ከምዝርከቡ ተዛሪበን፡፡

ንኣብነት እውን ብመንግስቲ፣ ኣብ ዘፈር ውልቀ ከምኡ እውን ብመንግስቲን ብሓገዝ ውልቀን መንበሪ ኣባይቲ ብፅሬትን ቅልጣፈን ንምህናፅ ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣገንዚበን፡፡

ኣብቲ ዓውዲ ንዝዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ቀረብ መሬት ሓዊሱ ካልኦት ኣድለይቲ ኩነታታት ንምምችቻው እቲ ምምሕዳር ከተማ ቆራፅ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ምሃበን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ከንቲባ ሚኤሳ ኤሌማ (ዶ/ር) ንፋና ዲጂታል ገሊፆም፡፡

ኣብ ከባቢ ኣደባባይ ጀርመን እናተሃነፁ ዝርከቡ መንበሪ ኣባይቲ ካብ ዝጅመሩ 9 ኣዋርሕ ከምዘቑፀሩ ብምሕባር÷ እቲ ህንፀት ብፅሬትን ብቕልጣፈን እናተሳለጠ ኣብ ምዝዛም ከምዝርከቡ ኣብሪሆም፡፡

ተረፍ ስራሕቲ ብቕልጡፍ ብምዝዛም ተወሳኺ ስራሕቲ ህንፀት ኣባይቲ ናይ ምውጋን ከይዲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ኣረጋጊፆም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment