ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መዓልቲ ብራኸ ምኽንያት ብምግባር ናፃ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 2 ጳጉሜን መዓልቲ ብራኸ ምኽንያት ብምግባር ናፃ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ይወሃብ ኣሎ።

መርአያ ብራኸ ኣዲስ ኣበባ ዝኾነ ዓውዲ ትራንስፖርት፣ ንነበርቲ እታ ከተማ ካብ ወጋሕታ ሰዓት 12 ጀሚሩ ናፃ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ብምሃብ ነቲ ዕለት የብዕላ ኣሎ።

እቲ ንፍርቂ መዓልቲ ዝፀንሕ ናፃ ኣገልግሎት ትራንስፖርት፤ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ፣ ኣውቶቡሳት ከተማን ቀሊል ባቡር ኣዲስ ኣበባን ንተጠቀምቲ ርሑስ ሓዱሽ ዓመት ብምምናይ እናተሳተፉ ይርከቡ።

Comments (0)
Add Comment