ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ፈላማይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይዚ በጀት ዓመት ዝተቐየረ ባህሊ ስራሕ፣ ነበርትን መሓዙት ልምዓትን ብማእኸላይ 95 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ትልሚ ስራሕቲ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ምዕዋት ተኻኢሉ ኢለን።
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዓ.ም ፈላማይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ መንግስቲን ፓርቲን ብዕሊ ተጀሚሩ፡፡
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽተን፤ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብማእኸላይ 95 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ዝተትሓዙ ስራሕቲ ክዕወት ዘኽኣሉ መራሕቲ፣ ሰራሕተኛታትን ከምኡ እውን መሓዙት ልምዓት ምስጋና ኣቕሪበን።
ብሉፅ ውፅኢት እኳ እንተመዝገብና ኣብ ትካላት ክፍተት ብምፍላይ ትኹረት ኣንፈት ምቕማጥ ይግባእ ክብላ ኣተሓሳሲበን፡፡