ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት ሓደ ሰብ ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ ከባቢ የተባበሩት ኣደባባይ አካባቢ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት ሓደ ሰብ እንትሓልፍ 3 ሰባት ከቢድ ጉድኣት ኣጋጢሙ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ላዕለዋይ መምርሒ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኮማንደር ቶማስ እሸቴ ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉዎ÷ እቲ ሓደጋ ትራፊክ ዘጋጠመ ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ከባቢ ሰዓት 1 ኣብ ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ ወረዳ 13 ፍሉይ ቦታ የተባበሩት ኣደባባይ ኢዩ።

በቲ ሓደጋ ሐደ ሰብ ህይወቱ እንትሓልፍ፤ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ሰባት ከቢድ ጉድኣት ኣካል ከምዘጋጠመ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ሓደጋ መመላለሲ ህዝቢ ኣውቶቡስ ኣልያንስ ካብ ኣቤም ናብ ኣንፈት የተባበሩት ንቑልቁል እናተጓዓዘ እናሃለወ ካብ ኣያት ናብ ሲኤምሲ እናተጓዓዛ ዝነበራ ቪትዝን ፒካፕን ተሽከርከርቲ ብምግጫዋ ዘጋጠመ ኢዩ።

ኣብታ ፒካፕ መኪና ዝነበረ አሽከርካሪ ሽዑ ንሽዑ ህይወቱ እንትሓልፍ ኣብ ውሽጣ ተሳፊረን ዝነበራ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ 7ይን 5ይን ክፍሊ ከምኡ እውን ናይ ቪትስ መኪና ኣሽከርካሪ ከቢድ ጉድኣት ኣካል ኣጋጢሙዎም ክትትል ሕክምና እናተገበረሎም ከምዝርከብ ተዛሪቦም፡፡

ብዮናስ ጌትነት

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment