ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንልምዓት ኮሪደር ዝምጥን ህንፀት መሰረተ ልምዓት መገዲ ይውገን ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል መዚ መገዲታት ኣዲስ ኣበባ ኣብታ ከተማ ንዘሎ ልምዓት ኮሪደር ዝምጥን ህንፀትን ፅገናን መሰረተ ልምዓት መገዲ ይውገን ኣሎ ኢሉ፡፡

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ በዓል መዚ ኢያሱ ሰሎሞን ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉዎ፤ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ መገዲታት ዝተማለአ ኣገልግሎት ንኽህቡ ኣድላዪ ህንፀትን ፅገናን እናተገበረ ይርከብ።

በዚ ድማ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2018 ሓፈሻዊ 328 ኪሎ ሜትሮ ዝሽፍን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ መገዲታት ፅገና ንምውጋን ተሓሲቡ ልዕሊ 393 ኪሎ ሜትሮ ንዝኸውን መገዲ ፅገና ከምዝተበበረ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ድማ ልዕሊ 14 ኪሎ ሜትሮ ዝኸውን ፅገና መገዲ ኣስፓልት ከምዝተወገነ ኣመልኪቶም።

ብተመሳሳሊ ህንፀት መገዲ ኮብልስቶንን ፀፀርን ከምዝተወገነ እቶም ሓላፊ ኣብሪሆም፡፡

መገዲ ንኽበላሾ ምኽንያት ካብ ሞንጎ መበገሲታት ሓደ ፀገም መወገዲ ፈሳሲ መስመራት ከምዝኾኑ ብምፅራሕ፤ ልዕሊ 104 ኪሎ ሜትሮ ንዝኾኑ መገዲታት ፅገና መስመር መወገዲ ፈሳሲ ከምዝተወገነ ሓቢሮም።

ኣብ እዋን ፅገና ምጭንናቕ ትራፊክ ከይፍጠር ግቡእ ጥንቃቐ ከምዝግበር ብምግላፅ፤ ምንቅስቓስ ሰባት ኣብ ዝንክዩሎም መዓልቲታትን ኣብ እዋን ምሸትን ስራሕቲ ፅገና እናተወገነ ይርከብ ኢሎም፡፡

ብሶስና ኣለማየሁ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment