ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ተሸከርከርቲ ህዝባዊ መጉዓዝያ ናብ ስርዓት ዲጂታል ክፍሊት ክኣትዋ እየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ተሽከርከርቲ ህዝባዊ መጓዓዝያ ካብ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ናብ ስርዓት ዲጂታል ክፍሊት ክኣትዋ እየን።

ምክትል ሓላፊ ዘፈር ኦፕሬሽን እቲ ቢሮ ዳኛቸው ሽፈራው ኣዲስ ኣበባ ካብ ወረቐት ዝፀረየ ግልጋሎት ንምህናፅ ኣብ ስማርት ሲቲ ጉዕዞ ኣብ ትርከበሉ እዋን ከም ምዃኑ እቲ ዓውዲ ንምዝማን ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ዲጂታል ኣሰራርሓታት ጀሚሩ ኢሎም፡፡

እቲ ቢሮ ብቴክኖሎጂ ስርዓት መጓዓዝያ ናይ ምዝማን ስራሕ ኣብ ከተማ ቬሎሲቲና ኣብ ኣውቶቢሳት ምጅማሩ ብምሕባር፤ እተን ትካላት ብዝተፈላለዩ ዲጂታላዊ ኣማራፂታት ሒዘን ግልጋሎት ይህባ ከምዘለዋ ተዛሪቦም፡፡

ካብ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ብዙሃ ትራንስፖርት ዝህቡ ኣውቶቢሳት ከተማ ሓዊሱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ግልጋሎት ትራንስፖርት ዝህቡ ስራሕ መብዛሕቲኤን ተሽከርከርቲ ናብ ዲጂታል ክፍሊት ከምዝኣትዋ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

 

Comments (0)
Add Comment