ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ሩባ ባህሪኦም ጠፊኦም ዝነበሩ ሩባታት እታ ከተማ ካብ ብኽለት ንምክልኻል 44 ኪሎ ሜትሮ ዝሽፍን ልምአት ወሰን ሩባ እናተወገነ ይርከብ ኢሎም፡፡
ዋና መካየዲ ስራሕ እቲ በዓል መዚ ዲዳ ድሪባ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝበሉዎ÷ ብላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን በቲ በዓል መዚን ዝተገበሩ መፅናዕቲታት እቶም ሩባታት ናብ ተፈጥሮኣዊ መልከዖም ጠፊኡ ንልዑል ብኽነት ተቓሊዖም ይርከቡ፡፡
በዚ ድማ ሩባታት ካብ ብኽለት ንምክልኻል 44 ኪሎ ሜትሮ ዝሽፍን ልምዓት ወሰን ሩባ እናተወገነ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
እቲ ልምዓት ወሰን ሩባ ናይ ህዝቢ መዘናግዒታት፣ መናፅሂ ቦታታት፣ ናይ ህፃናት መፃወቲ፣ ንኣትሌታት መለማመዲ ቦታን ፓርክታትን ኣካቲቱ ዝተሃነፀ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡
ብመሳፍንት እያዩ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!