ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ወላይታ ሶዶ ሎሚ ንጎሆ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 4 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።
እቲ ሓደጋ ካብ ሃዋሳ ናብ ወላይታ ሶዶ እትጓዓዝ ዝነበረት ዶልፊን ተሽከርካሪት ብተፃራሪ ኣንፈት ምስ እትጓዓዝ ዝነበረት ናይ ፅዕነት መኪና ብምልታማ ዘጋጠመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 4 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ዋና ሳጅን ዓውዲ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሓደጋ ትራፊክ ፖሊስ እታ ከተማ ዝናቡ ገዛኸኝ ተዛሪቦም።
ካልኦት ጉድኣት ዘጋጠሞም ሰባት ኣብ ቀረባ ኣብ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎ እቶም ዋና ሳጅን ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ገሊፆም።
ብማስተዋል ኣሰፋ