ኣብ ከተማ ደብረብርሃን 14 ሓደሽቲ ፋብሪካታት ናብ ስራሕ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ሪጂዮ ፖሊታንት ከተማ ምምሕዳር ደብረ ብርሃን ኣብ በጀት ዓመት 2018 ጥራሕ 14 ሓደሽቲ ፋብሪካታት ናብ ስራሕ ኣቲዮም።

ብኣካቢ ብሄራዊ ካውንስል ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ኣምባሳደር ግርማ ብሩ ዝተመርሐ ጉጅለ ኣብታ ከተማ ምንቅስቓስ ስራሕ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታ ተዓዚቡ።

ኣብቲ ዑደት ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል፣ ሚኒስትር ሕርሻ ኣዲሱ ኣረጋ፣ ሚኒስትር እቶት ኣይናለም ንጉሴ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስ ተረኺቦም።

ቀንዲ ዕላማ እቲ ዑደት ኢዱስትሪታት ዝርከቡሉ ነባራዊ ኩነታት ምዕዛብን እናጋጠሙ ዝርከቡ ማሕለኻታት ተዋዲድካ ንምፍታሕ ዘኽእል መፍትሒ ንመሃብ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ሓላፊ መምርሒ ኢንዱስትሪን ኢንቨስትመንትን ምምሕዳር ከተማ ደብረብርሃን ብርሃን ገ/ህይወት ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፤ ኣብታ ከተማ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ጥራሕ 14 ሓደሽቲ ፋብሪካታት ናብ ስራሕ ኣቲዮም።

ኣብታ ከተማ ልዕሊ 36 ሺሕ ዕድል ስራሕ ዝፈጠሩ 680 ፋብሪካታት ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

እቶም ፋብሪካታት ብሙሉእ ዓቕሞም ስራሕ እንትጅምሩ ልዕሊ 100 ሺሕ ንዝኾኑ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ክፈጥሩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ሓቢሮም።

ብኣለምሰገድ ኣሳዬ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment