ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ትሕቲ ዩኒቨርሲቲ ደብረ ብርሃን ዝርከብ ሆስፒታል ሓኪም ግዛው ሓንቲ ኣደ ብሓደ ግዘ ኣርባዕተ ሓናጡ ብሰላም ተገላጊላ።
ኣብቲ ሆስፒታል ስፔሻሊስት ሓኪም ማህፀንን ጥንሲን ዶ/ር ኣዲሱ ግርማ÷ ጓል 38 ዓመት ኣደ ብሰብ ሞያ ሕክምና ብዝተገበረላ ሓገዝ ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ሓናጡ ብሰላም ከምዝተገላገለት ተዛሪቦም፡፡
ኣብ ታሪኽ እቲ ሆስፒታል ሓንቲ ኣደ ኣርባዕተ ሓናጡ እንትትገላገል እዚ ንፈለማ እዋን ኢዩ ዝበሉ ዶ/ር ኣዲሱ÷ ኩለን ህፃናት ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ጥዕና ከምዝርከባን እተን ሓናጡ ካብ 1 ነጥቢ 3 ኪሎ ግራም ክሳብ 1 ነጥቢ 6 ኪሎ ግራም ክብደት ከምዘለወንን ኣብሪሆም፡፡
እተን ኣደ ቅድሚ ሕዚ ብዝተፈላለየ ግዘ ዝወለደኦም ሽዱሽተ ዕያል ከምዘለዉወን ብምሕባር÷ ሕዚ ድማ ብሓደ ግዘ ኣርባዕተ ሓናጡ ብምውላደን ሕጉስቲ ከምዝኾናን ተዛሪበን፡፡
ዓቕሚ ዘለዎም ገበር ሰናይ ኣካላት ደቀን ንምዕባይ ዘኽእል ሓገዝ ንኽገብሩለን እውን ሓቲተን።
ብሰላም ኣሰፋ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!