ኣብ ከተማ ደብረ ብርሃን ሓንቲ ኣደ ኣርባዕተ ሓናጡ ብሰላም ተገላጊላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ትሕቲ ዩኒቨርሲቲ ደብረ ብርሃን ዝርከብ ሆስፒታል ሓኪም ግዛው ሓንቲ ኣደ ብሓደ ግዘ ኣርባዕተ ሓናጡ ብሰላም ተገላጊላ።

ኣብቲ ሆስፒታል ስፔሻሊስት ሓኪም ማህፀንን ጥንሲን ዶ/ር ኣዲሱ ግርማ÷ ጓል 38 ዓመት ኣደ ብሰብ ሞያ ሕክምና ብዝተገበረላ ሓገዝ ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ሓናጡ ብሰላም ከምዝተገላገለት ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ታሪኽ እቲ ሆስፒታል ሓንቲ ኣደ ኣርባዕተ ሓናጡ እንትትገላገል እዚ ንፈለማ እዋን ኢዩ ዝበሉ ዶ/ር ኣዲሱ÷ ኩለን ህፃናት ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ጥዕና ከምዝርከባን እተን ሓናጡ ካብ 1 ነጥቢ 3 ኪሎ ግራም ክሳብ 1 ነጥቢ 6 ኪሎ ግራም ክብደት ከምዘለወንን ኣብሪሆም፡፡

እተን ኣደ ቅድሚ ሕዚ ብዝተፈላለየ ግዘ ዝወለደኦም ሽዱሽተ ዕያል ከምዘለዉወን ብምሕባር÷ ሕዚ ድማ ብሓደ ግዘ ኣርባዕተ ሓናጡ ብምውላደን ሕጉስቲ ከምዝኾናን ተዛሪበን፡፡

ዓቕሚ ዘለዎም ገበር ሰናይ ኣካላት ደቀን ንምዕባይ ዘኽእል ሓገዝ ንኽገብሩለን እውን ሓቲተን።

ብሰላም ኣሰፋ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment