ኣብ ከተማ ጎንደር ተነቢሩ ዝነበረ ገደብ ሕላፍ ሰዓት ተላዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መምሒ ፖሊስ ምምሕዳር ከተማ ጎንደር ኣብታ ከተማ ተነቢሩ ዝነበረ ገደብ ምንቅስቓስ ሕላፍ ሰዓት ተላዒሉ ኢሉ፡፡

ኣዛዚ እቲ መምርሒ ኮማንደር ኣንተነህ ቴዎድሮስ ከምዝበሉዎ÷ ኩነታት ፀፅታ እታ ከተማ ስለዝተመሓየሸን ዘተኣማምን ሰላም ስለዘሎን ነበርቲ ናይ ምንቅስቓስ ናፅነቶም ብግቡእ ንኽጥቀሙ እቲ ገደብ ተላዒሉ።

ሕብረተሰብ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ስግኣት ፀፅታ 24 ሰዓት ክንቀሳቐስ ዝኽእለሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኢዩ ኢሎም፡፡

ምሸታዊ ኣገልግሎት ዝህባ በዓል ሰለስተ እግሪ ተሽከርከርቲ (ባጃጅ) ሓዊሱ ካልኦት ተሽከርከርቲ 24 ሰዓት ክንቀሳቐሳ ከምዝኽእላ እውን ሓቢሮም።

ገደብ ሕላፍ ሰዓት ምልዓሉ ብዝምልከት ንኣካላት ፀጥታ ግንዛበ ተፈጢሩ ኢዩ ዝበሉ እቶም ኣዛዚ ፖሊስ÷ ኣብ ዝመፅእ ወርሒ ጥሪ ኣብታ ከተማ ብድምቀት ንዝኸበር በዓል ጥምቀት ዝመፅኡ ኣጋይሽ ንምቕባል ካብ ብሕዚኡ ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብጳውሎስ ኣየለ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment