ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ ከተማ ጨፋ ሮቢት ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 10 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።
እቲ ሓደጋ፥ 60 ሰባት ኣሳፊራ አትጓዓዝ ዝነበረት ኣውቶብስ ኣብ ድልድል ጃራ እንትትበፅሕ ምስ ናይ ፅዕነት ተሽከርካሪት ብምልታማ ኢዪ ኣጋጢሙ።
ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 10 ሰባት ህይወቶም ምስኣኖም ከንቲባ እታ ከተማ ሰይድ መሓመድ ንፋና ዲጂታል ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ ብዙሓት ሰባት ከቢድ ጉድኣት ከምዘጋጠሞም ሓቢሮም።
ቁፅሪ መወትትቲ ክውስኽ ከምዝኽእል እውን ገሊፆም።
ብኣቤል ነዋይ