ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ዘተ ግደ ምሁራንን መራሕቲ ሓሳብን ተጠናኺሩ ንክቕፅል ተሓቲቱ።
እቲ ሃገራዊ ዘተ ዘድለ ውፅኢት ንክረክብ ግደ ምሁራን ልዑል ከምዝኾነ ዝገለፁ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ፣ በቲ ዘተ ዝድለ ውፅኢት ንምምፃእ ግደ ምሁራን ልዑል ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።
እቲ ኮሚሽን ኣብ ከይዲ እቲ ዘተ ካብ ምሁራን እታዎታት ንምእካብን በዝበለፀ ተቐራሪብካ ንምስራሕን ኣብ ዘኽእል ኩነታት ንምዝታይ ዘዳለዎ መድረኽ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ኮሚሽነር መላኩ ወ/ማርያም፥ ከይዲ እቲ ዘተ ብብርኪ ሃገር ትፅቢት ንዝግበረሎምን ኣዝዮም ኣድለይቲ ንዝኾኑን ውፅኢታት ግደ ምሁራን ልዑል ኢዩ ኢሎም።
እቲ ሃገራዊ ዘተ ሐዚ ንዝበፅሐሉ ብርኪ ግደ ምሁራንን መራሕቲ ሓሳብን ተጠናኺሩ ምቕፃል ከምዘለዎ ሓቢሮም።