ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ሲዳማ ምምሕዳር ከተማ ዳዬ ትማሊ ምሸት ሰዓት 11፡00 ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 4 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።
ምክትል ዳይሬክተር መምርሒ ፖሊስ እቲ ዞባ ሓለቓ ሚኢቲ ስራሮ ሶሌ፥ እቲ ሓደጋ ተሽከርካሪ ካብ ኣለታ ወንዶ ናብ በንሳ ዳዬ ሸቐጣሸቐጥ ፅዒኑ እናተጓዓዘ እንተሎ መንበሪ ገዛ ጥሒሱ ብምእታው ክልተ ሰባት ኣብ ዝደቀስሉ ሓደጋ ሞት ምብፅሑ ገሊፆም።
በቲ ሓደጋ ገናሒ መኪናን ሓጋዚኡን አወን ህይወቶም ምሕላፉ ገሊፆም።
ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት ከምዝበፅሐ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣረዲኦም።
ብደብሪቱ በዛብህ