ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ትግራይ መዳርግቲ ኣካላት ምትእኽኻብ ኣጀንዳ መድረኽ ብሰለስተ ጉጅለታት ተኸፋፊሉ ይሳለጥ ኣሎ።
ኮሚሽን ሃራዊ ዘተ ኢትዮጵያ መድረኽ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ መዳርግቲ ኣካላት ክልል ትግራይ ትማሊ ብዕሊ ምጅማሩ ይፍለጥ።
እቲ ናይ ኣጀንዳ ምትእኽኻብ መድረኽ ሎሚ ይሳለጥ ከምዘሎን፣ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ማሕበራት፣ ትካላት፣ ፍሉጣት ውልቀሰባት ድማ ብጉጅለ ዘተ ኣጀንዳታቶም ኣብ ምጥንኻር ይርከቡ።
ብጉጅለ ዘተ ዝተጠርነፉ ኣጀንዳታት ንኹሎም መዳርግቲ ኣካላት ክልል ትግራይ ቀሪቦም ሓሳባቶምን ርኢቶኦምን ሓዊሱ ክፅድቑ እዮም።