ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ተወሳኺ ውግእ ንኽካየድ ኣይንደልን እኳ ደኣስ ተሓባቢርና ሃገር ክነልምዕ ኢና ንደሊ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ሰላም ብዝምልከት ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፤መንግስቲ ፌደራል ንክልል ትግራይ ዝምድቦ በጀት ንልምዓት እንተይኮነስ ንዕጡቓት ይውዕል ኣሎ ኢሎም።
እዚ ትኽክል ኣይኮነን፤ ትግራይ ልምዓት የድልያ ኢዩ፤ ብምዃኑ ድማ ብሰላማዊ መገዲ ብሓባር ንምልማዕ ምስራሕ ይግባእ” ክብሉ ኣገንዚቦም።
ኣብ ክልል ትግራይ ተወሳኺ ውግእ ንኽካየድ ኣይንደልን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ መንግስቲ ብሓይሊ ንምውዳቕ ድሌት እንተሃሊዩ ግን ፍፁም ክሰምር ዝኽእል ኣይኮነን ኢሎም።
ኣብ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ የተቐመጡ ቀንዲ ጉዳያ ንምፍፃም መንግስቲ ድሉው ከምዝኾነን ብዙሕ ርሕቐት ብምኻድ እናተግበረ ከምዝርከብን እውን ኣብሪሆም፡፡
ኣብ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ የተቐመጡ ቀንዲ ነጥቢታት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፡-
– ህወሓት ዘካየዶ መረፃ ሕጋዊ መረፃ ስለዘይኮነ ምስራዝ
– ኣብ ክልል ትግራይ ሕጋዊ ብዘይኮነ መረፃ ዝተጣየሸ ምምሕዳርን ቤት ምኽሪን እቲ ክልል ክፈርስ
– ካብ ኩሉ ወገን ዝተውፃእፀአ ጊዚያዊ ምምሕዳር ምጥያሽ
– ብህዝቢ ዝተመረፀ ስርዓት ፌደራል መንግስቲ ምኽባር
– ኣብቲ ክልል ዕጥቂ ሒዞም እንናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ ሓይሊታት ዕጥቂ ምፍታሕን ብተሃድሶ ናብ ስሩዕ ህይወቶም ምምላስ
– ዝተቛረፁ ኣገልግሎታት ናብ ስራሕ ክምለሱ ምግባር
– ካብ መረበቶም ዝተመለሱ ዜጋታት ምምላስ
– ዝኾነ ይኹን ርክብ ወፃኢ ናይ ምግባር ስልጣን ዘለዎ መንግስቲ ፌደራል ጥራሕ ከምዝኾነ ምኽባር ዝብሉ ኢዮም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!