ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ትካላት ዝበፅሐ ዕንወት መንነት ዘይሕጋዊ ህወሓት ዘቃለዐ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ትካላት ዝበፅሐ ዕንወት መንነት ዘይሕጋዊ ህወሓት ዘቃለዐ እዩ ኢሎም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ምምሕዳርን ኣገልግሎት ህዝብን በዓል ሓደራ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃ።

እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ምስ ዳይሬክተራት ቢሮታት ክልል ትግራይ ዘተ ኣካይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ባህሪን ተግባራትን በዓል ሓደራ ምምሕዳር ዝምልከት ዝርዝር መብርሂ ቀሪቡ ምይይጥ ተኻይዱሉ።

ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፅዎ፣ ኣብ ትካላት እቲ ክልል፣ ብፍላይ ኣብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር እቲ ክልል ዝበፅሐ ዕንወት ተግባራትን መንነትን ዘይሕጋዊ ህወሓት ኣቃሊዑ እዩ።

ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናብ ስራሕ ክምለሱ ፃውዒት ዘቕረቡ ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃ፣ ደሞዝ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብህፁፅ ንምኽፋል ይስራሕ ከምዘሎ ኣመልኪቶም።

ካብ 25 ዝተፈላለዩ ቢሮታት ዝተወከሉ ዳይሬክተራት ብወገኖም ናብ ስራሕ ንምምላስ ድሉዋት ምዃኖም ብምግላፅ፣ ናብ ስሩዕ ስራሕ ምሉእ ብምሉእ ንምምላስ ዘድልዩ ኣቕሑትን ካልኦት ኣድለይቲ እታወታት ብቕልጡፍ ክማልኡ ሓቲቶም።

ሰራሕተኛታት መንግስቲ ካብ ሰኑይ 16 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም ጀሚሮም ናብ ስሩዕ ስርሖም ከምዝምለሱ እውን ተሓቢሩ።

ብኤልያስ ሚካኤል

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment