ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኮሚሽን ኣመራርሓ ሓደጋ ስግኣት ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ዞባ ኣስገደ ወረዳ ሕፃፅ ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ መዕቆቢ ጣቢያ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝምልከት መግለፂ ሂቡ።
ኣብቲ መግለፂ መንግስቲ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ጣቢያ ንዝርከቡ ዜጋታት ቀዳምነት ትኹረት ብምሃብ ሰብኣዊ ሓገዝ ምግቢ ይገብር ከምዘሎ ሓቢሩ፡፡
ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ጣቢያ ሕፃፅ ዝርከቡ ዜጋታት ኣብ ሙሉእ ዓመት ሓገዝ ክግበረሎም ምፅንሑ እቲ ኮሚሽን ኣመልኪቱ።
በዙይ መሰረት ካብ መስከረም ክሳብ ታሕሳስ 2018 ዓ.ም ዝተማልአን ዘይተቆራረፀ ሰብኣዊ ሓገዝ ምግቢ ክረኽቡ ከምዝፀንሑ ሓበሬታታት ከምዘመልክት ሓቢሩ።
እቲ ኮሚሽን እቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሙሉእ መግለፂ ከምዚ ዝስዕብ ክቀርብ እዩ፡፡
መንግስቲ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ጣቢያ ዝርከቡ ዜጋታትና ብቀዳምነት ትኹረት ብምሃብ ሰብኣዊ ሓገዝ ምግቢ እናቕረበ ይርከብ፡፡
ይኹን እምበር ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚዲያታት ግዝያዊ መዕቆቢ ጣቢያ ሕፃፅ ዝርከቡ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘይረኸቡ ዝገልፅ ዝተዛብዐን ነቲ መዐቆቢ ጣቢያ ብሓፈሻ ዘይገልፅ ፀብፃብ ኮይኑ ረኺብናዮ፡፡
ሰብኣዊ ሓገዛት ብዝምልከት ብስሩዕ ኣብ ሙሉእ ዓመት ሓገዝ ንዘድልዮም ሓገዝ ምግቢ ከይተቆራረፀ እናተኻየደ ይርከብ።
ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ጣቢያ ሕፃፅ ዝርከቡ ዜጋታትና ኣብ ምሉእ ዓመት ተመሳሳሊ ደገፍ ክረኽቡ ዝተገበረ እንትኾን ካብ ወርሒ መስከረም ክሳብ 2018 ዓ.ም ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ 2018 ዓ.ም ዝተማልአን ዘይተቆራረፀን ሰብኣዊ ሓገዝ ምግቢ እናተገበረሎም ምዃኑ ሓበሬታታት የረድእ፡፡
ኣብ ኣስገደ ወረዳ ሕፃፅ ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ መዕቆቢ ጣቢያ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ 14 ሺሕ 413 ዜጋታት ሓገዝ ክረኽቡ ፀኒሖም እዮም።
ብተወሳኺ ኣብ ጎረባብቲ መዕቆቢ ጣቢያ ዝርከቡ ዜጋታት ካብ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ን16ሺሕን 775 ሰባት፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ን18ሺሕን 290፣ ኣብ ወርሒ ሕዳር ን17 ሺሕን 813፣ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ድማ ን14 ሺሕን 413 ሰባት ምግቢ ተዓዲሉ፡፡
በዙይ ድማ ብድምሩ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ 11 ሺሕ 406 ኩንታል ምግቢ (ስርናይ፣ ስርናይ፣ ጣፍ፣ ዘይቲ ምግቢ) ከረባፅሑ ተገይሩ። እዚ ድጋፍ ብገንዘብ ልዕሊ 257 ሚልዮን ብር ዝግመት ክኸውን እዩ።
ኮሚሽን ኣመራርሓ ሓደጋ ስግኣት ኢትዮጵያ