ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ትግራይ ዝተጣየሸ ምምሕዳር ባለ ሓደራ ኣገልግሎታት ህዝቢ ንምጅማርን ሰላም ንምርግጋፅን ዘኽእሉ ቅድመ ምድላዋት ዛዚሙ ናብ ተግባር ኣትዩ ኣሎ ኢሎም ሓላፊ ስራሕ ምምሕዳርን ኣገልግሎት ህዝብን ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃ።
ፈፃሚ ስራሕ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ሎሚ ምስ መምህራን ከተማ መቐለን ምስ ኣካላት ምምሕዳር ቤት ትምህርትን ብዝተፈላለዩ ጉዳያት ተዛትዮም።
ኣይተ ኣሰፋ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ከምዝገለፅዎ፣ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ኣዲስ ኣበባ ተቖፃፂረ መንግስቲ ከፍርስ እየ ብዝብል ትዕቢት ዝጀመሮ ኲናት ኣብ ሓፂር እዋን ተሳዒሩ ካብ መላእ ሃገር ተፀራሪጉ ወፂኡ እዩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ሰላም ከምዝወረደ ዝሓበሩ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ምምሕዳር በዓል ሓደራ ቀዳምነት ዝሃቦም ማሕበራውን ቁጠባውን ኣገልግሎታት ንምጅማር ይሰርሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።
ብመሰረት እዚ እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ንምጅማር ምድላዋት ከምዝተገብሩን ሓዊሱ መቐለ ኣብ ካልኦት ከባቢታት እውን ትምህርቲ ንምጅማር ዝግበሩ ምድላዋት እናተዛዘሙ ከምዝርከቡን ኣመልኪቶም።
ኣብ ወረዳን ቀበሌን ህዝቢ ንናይ ባዕሉ ከንቲባን ኣመሓደርትን ብቐጥታ ንኽመርፅ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ዝገለፀ እቲ ኮሚቴታት ምምሕዳር ምስተወደቡ ኣወዳድባታት ፖሊስን ሚሊሻን ብምጥንኻር ፀጥታ እቲ ከባቢ ሙሉእ ብሙሉእ ንኽረጋገፅ ከምዝግበር ሓቢሮም።
ኣብቲ ክልል ብሰንኪ ድርቂ ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ዘጋጠመ ፀገም ንምፍታሕ፣ ምስ ፌደራል መንግስቲ፣ ሃገራውን ዓለምለኻውን ትካላት ብምትሕብባር፣ ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ምክፍፋል ረድኤት ከምዝዝርጋሕ እውን ኣመልኪቶም።
ምምሕዳር በዓል ሓደራ ኣብ ቀፃሊ እውን ኣገልግሎታት ጥዕና፣ ሕርሻ፣ ሲቪል ሰርቪስን ንግዳዊ ንጥፈታትን ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ንቡር ኩነታቶም ንኽምለሱ ብምግባር፣ ህዝቢ ብማዕረ ተጠቃሚ ልምዓት ንኽኸውን ከምዝሰርሕ ገሊፆም።
ብዮናስ ጌትነት