ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ካብ ክልል ትግራይ ወፃእ ኣብ ካልኦት ከባቢታ ኢትዮጵያ ምስ ዝርከቡ መዳርግቲ ኣካላት ክልላት፣ መዳርግቲ ኣካላት ፌዴራልን ኣብ ወፃኢ ሃገራት ምስ ዝመነብሩ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ኣጀንዳ ከምዘተኣኻኸበ ይፍለጥ፡፡
ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ከይዲ ዘተ ንምጅማር ምንቅስቓስ ጀሚሩ፡፡
ክልል ትግራይ ንዓመታት ኣብ ጎንፂ ኩነታት ትርከብ ምዃና ኣብ ግንዛበ ብምእታው ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ንመዳርግቲ ኣካላት ትግራይ እንታይ ዓይነት ፅቡቕ ውፅኢት ከምዘርክበ ምትንታን እቲ ኮሚሽን ኣብቲ ክልል ዝገብሮ ምንቅስቓስ ውፅኢታዊ ካብ ምግባር ንላዕሊ መዳርግቲ ኣካላት ንቑሕ ተሳትፎ ንኽረክብ የኽእሎ፡፡
ብመንፅር እዚ እዞ ምዝስዕቡ ሓሳባት እቲ ከይዲ ንመዳርግቲ ኣካላት ኢሉ እውን ንመላእ ኢትዮጵያውያን ዘበርክቶ ፅቡቕ ኣስተዋፅኦ የብርሁ፡፡
- ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ድምፂታት ምስማዕ
ኣብዚ ከይዲ ንኽሳተፉ ዕድመ እናቐረበሎም ዝርከቡ ኣካላት ዝተፈላለዩ ቅዋማት ከምዝህልዎም ትፅቢት ዝግበረሎም ይኹን እምበር ኣብቲ ከይዲ ምስታፎም ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ጉዳያት ዘለዉዎም መሰላት ንምትእትታው ምቹው ኩነታ ዝፈጥረሎም ኢዩ፡፡
- ቅድም ክብል ንዝተፈፀሙ ጥፍኣታት ስርዓት ተሓታትነት ምስንዳእ
እቲ ክልል ኣብ ጎንፂ ኩነታት ዝፀንሐ ስለዝኾነን ኣብቲ ክልል ልዑል ዕንወት ምግጣሙ ስዒቡ መዳርግቲ ኣካላት እቲ ክልል ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ወገኖም ብምትሕብባር ንዝተፈፀሙ ጥፍኣታት ስርዓት ተሓታትነት ብምድላው ተጎዳእቲ ማእኽል ዝገበረ ስርዓት ፍትሒ ንኽዝርጋሕ ጥጡሕ ባይታ የመዓራርየሎም፡፡
- ኣብ ወናንነት ቀፃሊት ኢትዮጵያ ምጉልባት
መዳርግቲ ኣካላት ክልል ትግራይ ልክዕ ከም ካሊእ ህዝቢ ሃገርና ህዝቢ ኩሉ ኣብ ክልሎም ኢሉ እውን ኣብ ዕጫ ሃገሮም ንምዝርራብ ምፍቃዶም ኣብ ሃገሮም ብዛዕባ ዝህልዎም ግደ ምሃብ ውሳነ የደንፍዕ፡፡
እዚ ድማ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ንሃገሩ ብማዕረ ደረጃ በዓል ቤት ምዃኑ ንምርግጋፅ ይሕግዝ ክብል ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ገሊፁ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!