ኣብ ክልል ትግራይ 16 ጥቅምቲ ትምህርቲ ክጅመር እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ትግራይ ዝመፅእ 16 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም ከይዲ ምምሃርን ምስትምሃርን ክጅመር እዩ ኢሉ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል።

ሓለፍቲ ፈፃሚ ስራሕ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፤ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ሃፀይ ዮሃንስ ላዕለዋይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዑደት ገይሮም።

ዕላማ እቲ ዑደት ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዘሎ ኩነታት ንምርኣይን ናብ ንቡር ከይዲ ምምሃርን ምስትምሃርን ንምጅማር ዝተገበሩ ምድላዋት ንምግምጋምን እዩ።

እቶም ሓለፍቲ ፈፃሚ ስራሕ ምስ መምህራንን ኣካላት ምምሕዳር ቤት ትምህርትን ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ተዛትዮም ኣንፈታት ስራሕ ኣቐሚጦም።

ኣብቲ እዋን መምህራንን ወለድን እቲ ናይ ትምህርቲ ስራሕ ብዓወት ንኽቕፅል ናይ ባዕሎም ግደ ክዋፅኡ ፀዊዖም።

እቲ ከይዲ ትምህርቲ ዳግማይ ምጅማሩ ተምሃሮ ናብ ገበታ ትምህርቶም ንኽምለሱን ብሰንኪ ጉድኣት ተቛሪፁ ዝፀንሐ ኣገልግሎት ትምህርቲ ንኽቕፅልን ደገፍ ከምዝግበር ተገሊፁ።

መምህራን ተምሃሮ ብግቡእ ንምቕባልን እቲ ናይ ትምህርቲ ስራሕ ንምቕፃልን ወለዲ ድማ ደቆም ናብ ገበታ ትምህርቶም ብምምላስ እቲ ናይ ትምህርቲ ስራሕ ክድግፉ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቦም።

ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኩሎም ቤት ትምህርትታት ምድላዋቶም ዛዚሞም ካብ ሰኑይ 16 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም ጀሚሮም ንቡር ከይዲ ምምሃርን ምስትምሃርን ከምዝጅምሩ ኣፍሊጡ።

 

Comments (0)
Add Comment